ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ እስራኤልን ሆላንድን – ንህሉው ኩነታት ሃገር ዝምልከት ሰሚናርን፡ ዝኽሪ 8 መጋቢትኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮን ዘጠቓልል ንጥፈታት ኣሰላሲሎም።

ፕሮፌሰር ጊደዎን ኣባይ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ስቶክሆልምን ዮቶቦሪን-ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ሰሚናራት፡ ብሓድነት ህዝባን ማሕበራዊ ፍትሕን እትልለ ብልጽግቲ ሃገር ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ስራሕ፡ ኩሉ ኤርትራዊ – ንቑሕ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ፡ እዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ዝያዳ ሓላፍነት ከምዘሰክመና ኣገንዚቡ።

ሎሚ እውን ከም ትማሊ፡ ንፍሹላት ተጻብኦታት ፈቓቕ ከይሃብና፡ ሃገር ብዝሕመረቱ ሓድነት ህዝባ ዝጸንዐት ዘልኣለማዊት ኤርትራ ንምህናጽ፡ ውዳቤታትና ኣደልዲልና ክንዓዪ ኣዘኻኺሩ።

ፕሮፌሰር ጊደዎን፡ ኤርትራ ጐድኒጐድኒ መደባት ልምዓት፡ ወፍሪ ናይ ምትብባዕ መደባት እውን ትሰርሓሉ ስለዘላ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ነዚ ዕድል’ዚ ክረብሓሉን ተጠቃሚ ጸጋታት ሃገሩ ክኸውንን ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራውያን ነበርቲ 8 ከተማታት – ስዊዘርላንድ፣ 11 ከተማታት – ሽወደን፣ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ሆላንድ፣ ቴልኣቪቭ – እስራኤል፡ “ንምልኣት ኣግእዞና ጠመተና ንቕድሚት” ብዝብል ቴማ፡ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ጸምቢሎምዋ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚታት፡ ንተራን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ምምጻእ ናጽነት፡ ምዕቃብ ልኡላውነትን መደባት ዳግመ-ህንጻን ዝምልከት መግለጺታት ቀሪቡ።

Categories