Author - Staff

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣካይዶም

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ እስራኤልን ሆላንድን – ንህሉው ኩነታት ሃገር ዝምልከት ሰሚናርን፡ ዝኽሪ 8 መጋቢትኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮን ዘጠቓልል ንጥፈታት ኣሰላሲሎም። ፕሮፌሰር ጊደዎን ኣባይ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ስቶክሆልምን...

ነበርቲ ቡያ፡ “ጽሩይ ማይ ክንሰቲ በቒዕና” ይብሉ

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ቡያ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ክሰትዩ ከዝበቕዑ ገሊጾም። ፕሮጀክት ማይ ተተግቢሩ መዐደሊ ነቚጣታት ከምእተሃንጸሉን፡ ውሕስነቱ ዝተረጋገጸ እኹል ማይ ይረኽቡ ከምዘለዉን ሓቢሮም። እቲ ቀንዲ መከፋፈሊ ማይ፡ ኣብ ማእከል...

ማእከል – ኣብ ኣገዳስነት ጽፉፍ ስርዓተ-ሓበሬታ ተዘትዩ

ጽፉፍ ስርዓተ-ሓበሬታ፡ ኣብ ኣድማዕነት ትግባረ መደባት ልምዓትን ቅኑዕነት ውሳነታትን ኣበርክቶኡ ልዑል ብምዃኑ፡ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ማእከል – ኣብ ምእካብን ምጽፋፍን ንጹር ሓበሬታ ብዕቱብ ክሰርሓ መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ዋና...

መደበር ጥዕና ሕርጊጎ ብተገልገልቲ ትምጐስ

ኣብ ትካላት ጥዕና ናይ ዝገላገላ ኣዴታት ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ – ብ90 ሚእታዊት ከምዝዓበየ፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ዝነበረ ሞት ድማ ናብ ዜሮ ከምዝወረደ፡ ሓላፊ መደበር ጥዕና ሕርጊጎ ሓቢሩ። ተሓጋጋዚ ነርስ ኣረፋይነ ኢብቃቕ፡...

“ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ኣድላዪ ጥንቃቐታት ይግበር ኣሎ” ሚኒስትሪ ጥዕና

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ናብ ሃገርና ከይኣቱ ንምክልኻል፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣድላዪ ጥንቃቐታት ይገብርን ኣገዳሲ ስጒምቲታት ይወስድን ኣሎ። ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ሓላፊ ውሸባ መንእሰይ ኤፍሬም ወልደሊባኖስ፡ ጐድኒ...

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ፡ ህዝቢ ምክትታሉ ኣብ ተርእዮታት ኣንበጣ ከሐይል ጸዊዑ

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ተርእዮታት ኣንበጣ ኣብ ወቕቲ ኣዝመራ ንምክልኻል፡ ህዝቢ ብሕልፊ ድማ ሓረስቶት ምክትታሎም ከሐይሉ ጸዊዑ። ብ13ን 16ን መጋቢት ኣብ’ቲ ዞባ ምስ ዝነጥፉ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ ሃብተኣብ፡...

Login

Categories