ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ምስ ክኢላታት ምቁጽጻር ብቕዓትን ድሕነትን ብቚሊ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብምትሕብባር፡ ኣብ ሕርሻታት ንኡሳን ዞባታት ተሰነይ፡ ሃይኮታ፡ ድገ፡ ኣቑርደትን ካልእ ከባቢታትን ዝፈረየ – እንተዀነ ብሰንኪ ግጉይ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ዝተበከለ፡ ልዕሊ 200 ኩንታል ኮሚደረ፡ ብ14 መጋቢት ከምዝጓሓፍ ገይሮም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽባርካ፡ ክኢላ ምቁጽጻር ብቕዓትን ድሕነትን ብቚሊ መንእሰይ ተስፋብርሃን ገብረዝጊ፡ እቲ ኮሚደረ ብዝተገብረሉ መርመራ ተበኪሉ ብምጽንሑ’ሞ ንጥዕና ደቂ-ሰብ ሓደገኛ ምዃኑ ብምርግጋጹ፡ ናይ ምጒሓፍ ስጒምቲ ከምእተወስደሉ ገሊጹ።

ከምዚ ተርእዮ’ዚ ንምውጋድ፡ ሓረስቶት ጸረባልዕ መድሃኒት ድሕሪ ምንጻጎም – እንተወሓደ ክልተ ሰሙን ተጸብዮም ፍርያቶም ክኣርዩንa ናብ ዕዳጋ ከውርዱን ዘዘኻኸረ መንእሰይ ተስፋዝጊ፡ ዝተበከለ ኮሚደረ ብቐሊሉ ብሽታ እውን ክፍለጥ ስለዝከኣል፡ ዕቱብነት ተጠቀምቲ ክዓዝዝ ተላብዩ።

ኣብ 2018 እውን ልዕሊ 250 ኩንታል ዝተበከለ ኮሚደረ ከምእተጓሕፈ፡ ሰነዳት ናይ’ቲ ቤት-ጽሕፈት የረድኡ።

Categories