Author - Staff

ሓበሬታ ካብ ባንክ ኤርትራ

ካብ ሰኑይ 30 መጋቢት 2020 ጀሚሩ፡ ኩለን ባንክታት ካብ ሰዓት 8፡00 ቅድሚ-ቐትሪ ክሳብ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ብዘይምቊራጽ ኣገልግሎት ክህባ ምዃነን ነፍልጥ።
ባንክ ኤርትራ
27 መጋቢት 2020

መምርሒታት መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ

ቅልጡፍን ሓደገኛን ናይ ምልባዕ ባህሪ ዘለዎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብምልካፍ፡ ህይወት ልዕሊ 25 ሽሕ ቀዚፉ ኣሎ። ነዚ ዛጊት መድሃኒት ብዘይምርካቡ ዓቢ ጥዕናዊ ስግኣት ኰይኑ ዘሎ – ብ‘ኮቪድ...

ኣብ ዓዲ-ቘራይ፡ ጤል ሓሙሽተ መናቱ መሓስኣት ወሊዳ

ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ – ዓዲቘራይ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ፡ ጤል ሓሙሽተ መናቱ መሓስኣት ወሊዳ። እታ ጤል ኣብ ቀዳማይ ምልኦኣ ሓደ ማሕስእ ጥራይ ወሊዳ ምንባራ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ግን ሓሙሽተ ከም እተገላገለት ዝሓበረ ዋናኣ ኣቶ ናስር ሙሳ-ኑር፡ ከም...

ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ፡ ዋጋ 620 ሽሕ ንዋታዊ ሓገዝ ረኺቡ

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ኣብ ሽቱትጋርት – ጀርመንን ሽወደንን ካብ ዝርከባ ጨናፍሩ፡ ንዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ዝውዕል ንብረት ብሓገዝ ረኺቡ። እቲ ሓገዝ፡ ጨንፈር ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ሽቱትጋርት...

ፕሮጀክት ‘ሕርሻ ገርሰት’ ዕድላት ስራሕ ይፈጥር

ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ዝርከብ ፕሮጀክት ሕርሻ ገርሰት፡ ንነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ናይ ሽቕለት ዕድል ከምዝፈጠረን ኣብ ዘቤታዊ ጠለብ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣስተዋጽኦ ይገብር ምህላዉን ተሓቢሩ። ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ፕሮጀክት ኣቶ ኣሚነ ተስፋሚካኤል፡ እቲ ፕሮጀክት...

ደ/ቀ/ባሕሪ – ሓድሽ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ሓድሽ ዝፈለቐ ኣንበጣ ምድረ-በዳ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣራዕታን ሓይልታት ምክልኻልን፡ ኣብ መጋሃጫ ኮነ ኣብ ኣግራብ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ከምዝኣተወ፡ ኣባል ሚኒስትሪ ሕርሻ መንእሰይ ሓጐስ...

Login

Categories