ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ሓድሽ ዝፈለቐ ኣንበጣ ምድረ-በዳ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣራዕታን ሓይልታት ምክልኻልን፡ ኣብ መጋሃጫ ኮነ ኣብ ኣግራብ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ከምዝኣተወ፡ ኣባል ሚኒስትሪ ሕርሻ መንእሰይ ሓጐስ ገብረትንሳኤ ሒቢሩ።

እዚ ዕስለ ኣንበጣ፡ ምስ’ቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ክረአ ዝጸንሕ ኣነጻጺርካ ክረአ እንከሎ፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ከቢድ ሳዕቤን ከውርድ ዝኽእልን ምንባሩ ዝጠቐሰ መንእሰይ ሓጐስ፡ ኣብ ደረጃ ምንፋር ከይበጸሐ ንምቊጽጻሩ ሓያል ስጉምቲ ከም እተወሰደሉ ገሊጹ።

እዚ ካብ ኩብኩብታ ሓሊፉ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ዝበጽሐን፡ ካብ ጐላጉልን ሑጻን ወጺኡ ኣብ ኣኽራናትን ኣጻድፍን ዝሓዀረን ኣንበጣ – ዳግማይ ናይ ምምላስ ዕድሉ ሰፊሕ ምዃኑ ብምምልካት ከኣ፡ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ቀጻሊ ምክትታልን ኮለላን ከም ዘድልዮ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ጨንፈር ቡቕልን ኣዋሃሃዲ ምክልኻል ኣንበጣን ኣቶ ተስፊት ገረዝጊሄር፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ምቁጽጻር ወራር ኣንበጣ ንዘርእዩዎ ዘለዉ ተወፋይነት ሞጒሱ።

Categories