ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ዝርከብ ፕሮጀክት ሕርሻ ገርሰት፡ ንነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ናይ ሽቕለት ዕድል ከምዝፈጠረን ኣብ ዘቤታዊ ጠለብ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣስተዋጽኦ ይገብር ምህላዉን ተሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ፕሮጀክት ኣቶ ኣሚነ ተስፋሚካኤል፡ እቲ ፕሮጀክት ዝተፈላለዩ ፍረታትን ኣሕምልትን ብምፍራይ፡ ጠለብ ዕዳጋታት ናይ’ቲ ከባቢ ኣብ ምምላእ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ሎሚ ዓመት ምእኩት ፍርያት ኮሚደረ ከም እተሓፍሰን 3 ሽሕ ኩንታል ናብ ፋብሪካ ‘ባናቶም’ – ኣለቡ ከም እተላእከን ገሊጹ።

መዓልታዊ ካብ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይን ጎልጅን ዝመጹ ኣስታት 300 ሰራሕተኛታት ከም ዘለውዎም ዝጠቐሰ ኣቶ ኣሚነ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ናይ ምልማዕ ስራሕ፡ ፍረ ኣብ ዝህቡ ኣግራብን ሃብቲ እንስሳ ኣብ ምስሳንን ከምዘድህቡ ኣረዲኡ።

ኣብ ክረምታዊ ሕርሻ ከምዝነጥፉ – እዚ ድማ ነበርቲ ተመኲሮ ንከጥርዩ ይሕግዝ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

Categories