ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ኣብ ሽቱትጋርት – ጀርመንን ሽወደንን ካብ ዝርከባ ጨናፍሩ፡ ንዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ዝውዕል ንብረት ብሓገዝ ረኺቡ።

እቲ ሓገዝ፡ ጨንፈር ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ሽቱትጋርት ዘበርከቶ ዋጋ 320 ሽሕ ዩሮ፣ ካብ ሽወደን ድማ ዋጋ 300 ሽሕ ዩሮ ኮይኑ – ፍርናሻት፡ ከብሕታት፡ መራዂስ፡ ዓራውቲ፡ ዓረብያታት፡ ናውቲ ሕክምናን ንጽህናን ከምኡ’ውን ዘመናዊ ናውቲ ምውስዋስ ኣካላት ዘጠቓለለ እዩ።

ብ26 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምርኽኻብ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ መምህር ገብረብርሃን እያሱ፡ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓገዝ – መቐጸልታ ናይ’ቲ ማሕበር ካብ ግዱሳት ኣካላት ክረኽቦ ዝጸንሐ ደገፍ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ኣገልግሎት ስንኩላን ኲናት ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ኣረዲኡ።

ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ሓላፊ ክፍሊ ውዳበን ሓበሬታን ኣቶ መሓመድኑር እድሪስ ብወገኑ፡ ኤርትራውያን – ንስንኩላን ኲናት ዜጋታቶም ዝገብርዎ ሓገዝ ለበዋ ዘድልዮ ጉዳይ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

Categories