ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ – ዓዲቘራይ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ፡ ጤል ሓሙሽተ መናቱ መሓስኣት ወሊዳ።

እታ ጤል ኣብ ቀዳማይ ምልኦኣ ሓደ ማሕስእ ጥራይ ወሊዳ ምንባራ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ግን ሓሙሽተ ከም እተገላገለት ዝሓበረ ዋናኣ ኣቶ ናስር ሙሳ-ኑር፡ ከም ሓረስታይ ሓሙሽተ ዝወለደት ጤል ሰሚዑ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ እንስሳ ዞባ ደቡብ ዶክተር ዑቕባዝጊ ክፍለ ድማ፡ ጤለ-በጊዕ ኣብ ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ክወልዳ ንቡር ምዃኑ፡ ሓሓሊፉ’ውን ክሳብ ሰለስተ ዝወልዳ ዓሌት ኣጣል ከምዘለዋ – እዚ ኣብ ዓዲ-ቘራይ ተኸሲቱ ዘሎ ግን፡ ኣብቲ ዞባ እውን ናይ መጀመርያ ተርእዮ ከምዝዀነ ኣረዲኡ።

ክኢላታት ሃብቲ እንስሳ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ጤል ሓሙሽተ መናቱ ክትወልድ ብርቂ ተርእዮ ምዃኑ ብምሕባር፡ ብደረጃ ኤርትራ ናይ ፈለማ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቶም ኣለዉ።

Categories