ቅልጡፍን ሓደገኛን ናይ ምልባዕ ባህሪ ዘለዎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብምልካፍ፡ ህይወት ልዕሊ 25 ሽሕ ቀዚፉ ኣሎ።

ነዚ ዛጊት መድሃኒት ብዘይምርካቡ ዓቢ ጥዕናዊ ስግኣት ኰይኑ ዘሎ – ብ‘ኮቪድ-19’ ዝፍለጥ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንቕሓትን ኣፍልጦን ዜጋታት በሪኹ – ነፍሲወከፍ ዜጋ ጥዕናን ድሕነትን ነብሱ፡ ስድራ-ቤቱን ኮሙን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ንምዕዛዝ ዘካይዶ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪ፣ ባይታ ምስፍሕፋሕ ናይ’ቲ ሕማም ክኸውን ዝኽእል ልዕሊ 10 ሰባት ዘሳትፍ ምትእኽኻባት ደው ምባል፡ በረራታት መጓዓዝያ ምቊራጽ፡ ትካላት ትምህርቲ ምዕጻው፡ ከምኡ’ውን ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ምቊራጽ ዘጠቓልል ስጒምቲታት በብእዋኑ ክወስድ ቀንዩ።

ነዚ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘቐድም እዋናውን ኣገዳስን ስጒምቲታት ብምስዓብ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተወሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ወንጌላዊት-ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን፡ ኣብ ኣፈጻጽማ ክካየድ ዝጸንሐ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ምምሕያሽ ብምግባር፡ በብወገኖም ምእመናን ክኽተልዎ ዝግባኦም ዝርዝር መምርሒታት ኣውጺኦም ኣለዉ።

ቀንዲ ነጥብታት ዝሓዘ ጽማቚ ትሕዝቶኡ ይስዕብ፡-

1. ኩለን ኣብያተ-ክርስትያን፡ መሳጊድን ጀዋምዕን፡ ንጸሎት ወይ ንሰላት ዝዕድም – ልሙድ ናይ ደወል ወይ ኣዛን ንጥፈታት ዘካይዳ’ኳ እንተዀና፡ ህዝቢ ብእኩብ ዝሳተፎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ግን ደው የብላ። ምእመናን ድማ ዕለታዊ ይኹን ሰሙናዊ (ዓርቢን ሰንበትን) ዝካየድ ናይ ሰላት፡ ጸሎትን ምህለላን ግቡኣት ኣብ በቤቶም ይፍጽሙ።

2. ኣገልገልቲ ታቦት፡ መሻይኽን ኣዘንቲን፡ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ወይ መስጊድ ኮይኖም ስርዓተ-ጸሎትን ሰላትን ይፍጽሙ። ህዝቢ ከኣ ኣብ ገገዝኡ ኰይኑ ብመጒልሒ ድምጺ ይከታተል።

3. ዓመታዊ ክብረ-በዓላት ገዳማትን ኣድባራትን ናብ ካልእ መዓልቲ ይመሓላለፉ። እቲ ዓመታዊ ዕለተ-በዓል፡ ብውሑድ መጠን፡ ብናይ’ቲ ቤተ-ክርስትያን ኣገልገልቲ ጥራይ ብቅዳሴን ማህሌትን ይፍጸም።

4. መርዓ፡ ሕጸ፡ ጥምቀት/ስማያ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪን ካልእ ኣጋጣሚታት ሓጐስን ሓዘንን፡ ኣብ ቤተ-ሰብ ተሓጺሩ ብጸቢብ መንገዲ ይፍጸም። ኣብ እዋን ሓዘንን ምጽንናዕን ዝዝውተር ብኢድ ሰላም ምባል፡ ከምኡ’ውን ምትእኽኻብን ምምልላስን ይተርፍ። ሓዘን ድማ ኣብ ሳልስቲ ይዕጾ።

5. ነፍሲ-ወከፍ ውልቃዊ ድሕነቱን ጽሬቱን ክሕሉ ስለዝግባእ፡ ኣብ ዝዀነ እዋንን ቦታን ኣብ መንጎ ምእመናን ዝዝውተር ናይ ኢድ ሰላምታን ምስዕዓምን ይተርፍ።

6. ምእመናን ብሚኒስትሪ ጥዕና ንዝወሃብ መምርሒ፡ ምኽሪን ምዕዶን ብዕቱብ ክከታተሉ፡ ተግባራዊ ክገብሩን ብኣኡ ክቕየዱን፡ ከምኡ’ውን ቤላ-ቤለውን ዘይተረጋገጸ ሓበሬታን ከይዝርጋሕ ብንቕሓት ክነጥፉ ይግባእ።

7. እዚ መምርሒ’ዚ፡ ካብ ሎሚ ቀዳም 28 መጋቢት 2020 ጀሚሩ ብጥብቂ ይትግበር።

 

Categories