ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ – ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓድሽ-ዓዲ፡ ብገንዘቦምን ጉልበቶምን ቀጽሪ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ይሰርሑ ኣለዉ።

እቲ ተበግሶ፡ ነበርቲ ዓድታት ሓድሽዓዲ፡ ዓንጸቂጣን ምሕራድ-ላምን፡ ምስ ኮሚተ ወለዲ ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ ብምርድዳእ ዝወሰድዎ እዩ።

ርእሰ-መምህር ኣኽበረት ክፍለማርያም፡ ኣደዃዂና እታ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ጥቓ ጽርግያ ብምዃኑ፡ ዘይምህላው ቀጽሪ ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብኣሉታ ክጸልዎ ምጽንሑ ብምሕባር፡ ነበርቲ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ሞጒሳ።

ኣብ 1993 ዝተሃንጸት መባእታ ቤት-ትምህርቲ ‘ፍረ ጽንዓትና’፡ ኣብ’ዚ ዓመተ-ትምህርቲ፡ 319 ተመሃሮ ተአንግድ ኣላ።

Categories