ክልተ ካብ’ቶም ብዕለት 23 መጋቢት ብ‘ኣየር ዓረቢያ’ ካብ ዱባይ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ገያሾ፡ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ኣሎ። በዚ ድማ፡ ቊጽሪ ናይ’ቶም ኣብ ኤርትራ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ፡ ሽድሽተ በጺሑ’ሎ። ኩሎም ድማ ዘድሊ ክንክን እናተገብረሎም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከቡ።

ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምቊጽጻርን ምሉእ ብምሉእ ንምብታኽን፡ ሓያሎ ኣገዳሲ ስጒምቲታት ክውሰድ ጸኒሑ’ሎ። ከም መቐጸልትኡ – እዚ ዝስዕብ ተወሲኑ ኣሎ፦

1. ኩለን ትካላት ትምህርቲ – ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ ኮሌጃት፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ 27 መጋቢት 2020፡ ክዕጸዋ’የን።

2. ኣብ ኩለን ከተማታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጐዓዝያ ዝህባ ኣውቶቡሳት፡ ሚኒባሳትን ታክሲታትን፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ 27 መጋቢት 2020 ሰዓት 6፡00 ንግሆ ኣገልግሎት ደው ከብላ እየን። ብናይ ጽዕነት መካይን ሰባት ምምልላስ ብጥብቂ ዝተኸልከለን ብሕጊ ዘቕጽዕን እዩ።

3. ብዘይካ ንፍሉይ ኩነታትን ብፍቓድ ዝምልከቶ ኣካልን፡ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ወይ ካብ ከተማ ናብ ከተማ፡ ከምኡ’ውን ካብን ናብን ከተማን ገጠርን ኣገልግሎት ዝህባ ኣውቶቡሳት’ውን ብተመሳሳሊ፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ 27 መጋቢት 2020 ሰዓት 6፡00 ንግሆ ኣገልግሎት ደው ከብላ’የን።

4. እዚ መምርሒ’ዚ፡ ክሳብ ካልእ ሓበሬታ ዝወሃብ ክጸንዕ እዩ።

5. ነዚን ኣቐዲሙ ዝወጸ ካልእ መምርሒታትን ብግቡእ ንምትግባር፡ ትካላት መንግስቲ ዓቢ እጃም’ኳ እንተለዎም፣ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ጥዕናን ድሕነትን ነብሱን ስድራ-ቤቱን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምዘለዎ ክግንዘብ ይግባእ።

6. ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ መጻኢ’ውን ንምዕባለታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና እናተኸታተለ፡ ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ ይሕብር።

ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!

ሚኒስትሪ ጥዕና

26 መጋቢት 2020

Categories