ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራን፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ ብ22 መጋቢት ዓመታዊ ዋዕላኦም ኣካዪዶም።

ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ፡ ቨርጂኒያ፡ መሪላንድ፡ ባልቲሞርን ሃሪስበርግን ዝነብሩ ወከልቲ ናይተን ውዳበታት፡ ንለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል – ማሕበራዊ ምፍንታት ወሳኒ ዝኾነሉ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብቪድዮ ኮንፈረንስ እዮም ዋዕላኦም ኣሰላሲሎም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ “ሓያል ውድብ – ሓያል ሃገር” ከምኡ’ውን “ህሉው ኩነታት ሃገር” ብዝብሉ ኣርእስትታት፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኩሉ መድረኻት ተዓዊቱ ዝወጸ፡ ሳላ ሓያልን ንቑሕን ተሳትፎ ህዝቢን ኣርሒቑ ዝጥምት መሪሕነትን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ምስጢር’ዚ ኣብዚ መድረኽ ህንጸትን ልምዓትን እውን መሊሱ ክዂላዕ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ መደባት ስራሕ 2020 ንምትግባር ዘለዎም ድሉውነት ከምኡ’ውን ኣብ ሃገርና ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ብምርግጋጽ፡ ህዝቢ ሽዕብ ተጠቃሚ ጸሓያዊ ጸዓት ክኸውን ዘበጋገስዎ ፕሮጀክት ንምዕዋት፡ ልዕሊ 9,300 ዶላር ወፍዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣባላት ሃማደኤ ኣብ ሚነሶታ፡ “ንምልኣት ኣግእዞና ጠመተና ንቕድሚት” ብዝብል ቴማ፡ ዝኽሪ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብውዕዉዕ መንፈስ ጸምቢለን።

ኣደ-መንበር’ቲ ማሕበር ወይዘሮ ኣኽበረት ተስፋይ፡ ብባህለንን መንነተንን ዝዀርዓን ኣብ ኩሉ ንጥፈታተን ተዓዊተን ሓበን ሃገረን ዝኾናን መንእሰያት ኣብ ምፍራይ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺራ።

Categories