Author - Staff

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም

ኣብ ሆላንድን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም። ብመሰረት’ዚ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቶ ነጋሲ ካሳ፡ ብ30 ታሓሳስ ንኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን መድረኻዊ...

ጋሽ-ባርካ – ናይ ምግራብን ምቊጽጻርን ሜላታት ክሕይል ተሓቲቱ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንጥፈታት ምግራብን ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብዝያዳ ክድፋኣሉ ጻውዒት ቀሪቡ። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን፡ እቲ ዞባ ሰፊሕ ናይ ሕርሻን መጓሰን ንጥፈታት ዝካየደሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ...

ደቡብ – ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ መደባት ልምዓት ተተግቢሩ

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ 2018 ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምጽጋን ናይ ሓመድ ጽርግያታትን ምርግጋጽ ከባብያዊ ጽሬትን ከምእተሳላሰለ፡ ብ26 ታሕሳስ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ። ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ 12 ንኡሳን...

ሳዋ – ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ሰሚናር ኣካዪዱ

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ብ29 ታሕሳስ ንኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰሚናር ኣካዪዱ። ንዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዘብርሀ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ስነኣእምሮኣዊ ምዕባለን ንቕሓትን መንእሰያት ክብ...

ባይቶ ዞ/ደ/ቀ/ባሕሪ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካዪዱ

ባይቶ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መበል 15 ምዱብ ኣኼባኡ፡ ብ28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣካዪዱ። ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ዓሊኑር ዓሊ፡ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ፡ ዝያዳ ውህደትን ተወፋይነትን ንውጽኢታዊ ስራሕ ዝሓትት ብምዃኑ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ምጕስጓስ ህዝቢን...

ማእከል – ብሞያ ዝሰልጠና 195 ኣለይቲ ስድራ ተመሪቐን

ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ደብዓት – ብሞያ ቅዲ-ክዳን፡ ሲንጀር፡ ብምስሳይን ኣሰራርሓ መግብን ን6 ኣዋርሕ ዘሰልጠነን 195 ኣለይቲ ስድራ፡ ብ27 ታሕሳስ ኣመሪቑ። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን...

Login

Categories