ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ደብዓት – ብሞያ ቅዲ-ክዳን፡ ሲንጀር፡ ብምስሳይን ኣሰራርሓ መግብን ን6 ኣዋርሕ ዘሰልጠነን 195 ኣለይቲ ስድራ፡ ብ27 ታሕሳስ ኣመሪቑ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣወሃሃዲ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት፡ ኣቶ ገብረኣብ ፍስሃየ፡ ሰልጠንቲ ካብ 16 ንኡሳን ዞባታት ዝተዋጽኣን ማሕበረቁጠባዊ ጸገማት ዘለወንን ምዃነን ሓቢሩ።

ሓላፊት ማእከል ሞያዊ ስልጠና ደብዓት ወይዘሮ ጅምዓ መሓመድ-ኑር፡ ሰልጠንቲ – ኣብ ምስሳይ ተኣንገድቲ፡ ኣተዓቓቕባ መኽዘንን ክሽነን፡ ምቁጽጻር መግብን መስተን፡ መርሓ ዋኒንን ኣመዓባብላኡን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውጥንን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ዛዕባታትን ዘተኰረ ትምህርቲ እውን ከምዝቐሰማ ገሊጻ።

ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብርኣብ፡ ሰልጠንቲ ረኺበናኦ ዘለዋ ትምህርቲ ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒመን፡ መነባብሮአን ንምምሕያሽ ኣበርቲዐን ክጽዕራ ኣዘኻኺራ።

Categories