ኣብ ኤርትራ ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ፡ 35 ሓደስቲ ምሩቓት ዶክተራትን ሓሙሽተ ምኵራት ናይ ሕክምና ክኢላታትን ዝጠርነፈ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ዶክተራት፡ ብ30 ታሕሳስ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ፡ ብምክትል ሚኒስተር ጥዕና ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰን፡ ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ዝተመርሐ እዩ።

ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ኣብ ዝተገብረ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ብስም መንግስቲ ኤርትራን ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን – ነቲ ብጽቡቕ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ሰላም ዝያዳ ንምዕዛዝ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብሓባር ክሰርሑ ከም እተሰማምዑ፡ ምምጻእ ናይ’ቲ ናይ ፈለማ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ሓካይም ድማ ንዓኡ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣረዲኣ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ዶክተራት፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፡ ምስ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ብሓባር ክሰርሑን ተመኲሮ ክለዋወጡን፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክላለዩ ዕድል ከምዝረኽቡ፡ ሚኒስተር ኣሚና ብተወሳኺ ገሊጻ።

ምክትል ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ ብወገና፡ ነቲ ኣጋጣሚ “ታሪኻዊ” ክትብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሪሕነት ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ናብ ሓድሽ ናይ ፍቕርን ስኒትን መድረኽ ምስግጋረን – ዝዓበየ ህያብ ንህዝብታተን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳይ ጥዕና ዝግበር ዘሎ ናይ ፈለማ ምትሕብባርን ምትሕጋዝን፡ መርኣያ ዝምዕብል ዘሎ ሰናይ ጉርብትናን ንቕድሚት ዝጠመተ ዝምድናን ምዃኑ ሓቢራ።

እዞም ኣብ ኤርትራ መጺኦም ዘለዉ 35 ሓደስቲ ምሩቓት ዶክተራት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ከረን፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መንደፈራ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ኣብ ጊንዳዕ ኣብ ዝርከባ መወከሲ ሆስፒታላትን ናይ ጥዕና ማእከላትን ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ክህቡን ተመኵሮ ክለዋወጡን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories