ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብኣጋጣሚ ምጅማር ሓድሽ ዓመት፡ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን መልእኽቲ ሰናይ ምንዮት ኣመሓላሊፉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፡ ዓመተ-2018፡ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ክምህ ዘይብል መኸተኡ፡ እልቢ ዘይብሉ ተጻብኦታት ኣብኒኑ፡ ጻማ ጽንዓቱ ዝተጐናጸፈላ፡ ምስ’ቲ ኣብ ዞባናን ዓለምን ዝኽሰት ዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምዕባለታት ተኣሳሲሩ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝተሰጋገረላ ታሪኻዊት ዓመት ምንባራ ጠቒሱ፡ ዓመተ-2019 ኣብ ርእሲ ዝጸንሐና ርእሰምትእምማን ዝያዳ ምትእምማን ወሲኽና፡ ንገዚፍ ልምዓታዊ ስራሕ እንብገሰላ፡ ባብ ሓድሽ መዋእል ምዃና ኣገንዚቡ።

እዚ ሓድሽ መድረኽ’ዚ፡ ብቐንዱ ውጽኢት ጻዕርን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፡ ኣብ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ምዕራፍ፡ እዚ ዘሐብን ሃገራዊ ክብርታት ተዓቂቡ፡ ንዝበረኸ ዕላማ ክቐንዕ ከምዘድሊ ብምዝኽኻር፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።

** ** **

Categories