ኣብ 2019 ክትግበሩ ኣብ ዝተወጠኑ መደባት ልምዓት፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ብ28 ታሕሳስ ምስ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣተሓሳሲቡ።

ተኸሲቱ ዘሎ መዋእል ሰላምን ምርግጋእን፡ ውጽኢት ዘይሕለል ጻዕሪ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምዃኑ ዝሓበረ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን፡ ህዝቢ ሰላሙ ዓቂቡ ብዝተዓጻጸፈ ኣበርክቶ ሃገሩ ክሃንጽ እዋናዊ ተልእኾ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣቶ መስፍን ገብረትንሳኤ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኩነታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ 63 ትካላት ትምህርቲ ከምዘለዋ፡ ኣብ’ተን ትካላት ድማ 51 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ኣስታት 21 ሽሕ ተመሃሮ ትምህርቶም ይከተታተሉ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ተሳትፎ ተመሃሮ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ትሑት ምህላዉን ወለዲ ንደቆም ኣብ ልክዕ ዕድመኦም ናብ ትምህርቲ ክሰዱን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መዳይ ጥዕና ድማ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ምክትታል ናይ ዝገብራ ነፍሰጾራት ቊጽሪ ክብ እናበለ ከምዝመጽአ፡ ሸፈነ ክታበት 85 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን ድማ ብልዑል ተሳትፎ ህዝብን ምምሕዳራት ከባቢን ዕዉት ምንባሩ፡ ኣቶ መስፍን ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዓዲ-ጓዕዳድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ዓድታት ዘሎ ጸገም መጓዓዝያን ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዮም።

Categories