ራብዓይ ዙርያ ውድድር ‘ሽንግርዋ ኣካዳሚ’ 2017/2018፡ ትማሊ ቀዳም 29 ታሕሳስ ብዝተኻየደ 5ይ መድረኽ ተዛዚሙ።

ኣብ’ዚ ብደረጃ ሃገር ብዓይነቱ ዝዓበየ ውድድር፡ ሎሚ ዓመት ብጠቕላላ ኣብ ሰለስተ ምድባት – ማለት ደርፊ፡ ትልሂትን ምልከት ያታዊ መሳርሒታት ሙዚቃን 660 ተወዳደርቲ ከምእተሳተፉ፡ ኣብ’ቲ ብኤሪ-ቲቪ ብቐጥታ ዝተፈነወ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ተገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ቴለቪዥን ኣቶ ኣስመላሽ ኣብርሃ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ’ዚ ንኣስታት 18 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውድድር ራብዓይ ዙርያ፡ ሽንግርዋ ኣካዳሚ፡ ዕቑር ዓቕሚ ንምድህሳስን ዝሰፍሐ ተሳታፍነት ንምርግጋጽን፡ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር፡ ዕድል ከይረኸቡ ንዝጸንሑ ዜጋታት ባብ ከምዘርሓወ ገሊጹ።

ካብ ኣካየድትን ደያኑን ‘ሽንግርዋ ኣካዳሚ’ ኣቶ ባርናባስ መብራህቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ፡ 446 ኣብ ምድብ ውድድር ደርፊ፡ 144 ኣብ ምድብ ውድድር ትልሂት፡ 70 ኣብ ምድብ ውድድር ያታዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ከምእተሳተፉ፡ በብመድረኹ እናተጻረዩ ድማ፡ ኣብ ሓምሻይን መዛዘሚን መድረኽ ዝበጽሑ፡ 14 ድምጻውያን፡ 10 ተላሃይቲን 6 ተጻወትቲ ያታዊ መሳርሒታት ሙዚቃን ምዃኖም ብምጥቃስ፡ “ምንዳይ ተውህቦ ዘለዎም መንእሰያት ናይ ምዝዛሙ ግዜ ኣኺሉ፡ እንሆ ውጽኢት እንዕዘበሉ ግዜ ኣኺሉ።” ክብል ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ምድብ ውድድር ደርፊ ዓወት ተኽለማርያም፡ ካብ ምድብ ውድድር ትልሂት – ብያታዊ ሳዕስዒት ብሄረ ኩናማ ዝተሳተፈት ጉጅለ፡ ካብ ምድብ ውድድር ምልከት ያታዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ድማ ዳኒኤል ተስፋሚካኤል ኮይኖም ተዓዊቶም።

“ሽንግርዋ” ብቋንቋ ብሊን ኮይኑ፡ ትርጉሙ ‘ኮዀብ’ ማለት’ዩ።

Categories