ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብ26ን 27ን ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ናይ 2018 ንጥፈታት ብምግምጋም፡ ኣብ ኣተገባብራ ውጥናት 2019 ዘትዩ።

ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ህንጻውን ልምዓታውን መዳያት ተታሒዞም ዝነበሩ መደባት፡ ብመንጽር ብልጫታትን ድኻማትን ዝገልጽ ጸብጻባት፡ በብዝምልከቶም ሓለፍቲ ቀሪቡን ክትዕ ተኻዪዱሉን።

ሎሚ ዓመት ብጠቕላላ 722 ሚሊሜተር ዝዓቐኑ ዝናብ ከምዝወቕዐ፡ እዚ ድማ ካብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሓሸ ምንባሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣእካል ካብ ዝተዘርአ 580 ሄክታር፡ ድሓን እቶት ከምእተረኽበ ተገሊጹ።

ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተረጋጊጹ ዘሎ ንቕሓትን ተገዳስነትን፡ ንዝሰፍሐ ስራሕ ዘተባብዕ ምዃኑ ድማ በሪሁ።

ተራድኦታት ገፈፍቲ ዓሳ ንምሕያል፡ ምስ ዘመናዊ ምግፋፍ ዓሳ ዘላሊ ትምህርታዊ መደባት ከምእተተግበረን፡ ኣብ እቶታውነት ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦን ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝካየድ ክንክን ቅድሚ ሕርሲን ኣገልግሎት ሕርስን ግና፡ ገና ትሑት ምህላዉ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ዋሕዲን እርጋንን ኣምቡላንሳት ፍታሕ ክርከቦ፡ ጽገና ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ክቀላጠፍ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክብ ንምባል ዝያዳ ክስራሓሉ ተላብዮም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ሎሚ ዓመት ዝተራእየ ውህደትን ተወፋይነትን ተዓቂቡ፡ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ዓጸፋ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

ብዛዕባ መደባት 2019 ድማ፡ ብዘይካ’ቲ ንምስፋሕን ምምዕባልን ወደባትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘራኽብ መስመራትን ዝምልከት ርዱእ ዓበይቲ መደባት፡ ኣብ ምስፋሕ ኣገልግሎት ዝስተ ማይ፡ ምሕያል ኣገልግሎታት ትምህርትን ጥዕናን፡ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ካልእን ዘተኰሩ ዓበይቲ መደባት፡ ልዑል ኣትኲሮ ከምዝወሃቦም ኣብሪሁ።

Categories