ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም፡ ብ27 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ – ኮም ዝሰረቱ ክብርታት ኣብ ምዕቃብ ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዳ።

ሚኒስተር ፎውዝያ፡ ህዝቢ ኣብ ባህላውን ማሕበራውን ክብርታቱ ተመርኲሱ ጉዳያቱ ዘመሓድረሉ ኮም ዘማእከለ ፍርዳዊ ትካላት ከምዘለዎ – ብኣብነታት ኣሰንያ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ 2003 ብኣዋጅ ቊጽሪ 132 ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ከምዝቘማ፡ ኣብ 2012 ብኣዋጅ ቊጽሪ 167 ምስፋሕ ክሊ ስልጣን ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ከምእተነጸረ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ኣብ ቀረባኡ ፍትሓዊ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዝኸኣለ ገሊጻ።

ሕግታትና ንስኒትን ዕብየትን ዝጠመቱ ኮይኖም፡ ክብርታት ሕብረተሰብ ዝያዳ ከምዝዂስኰስን ከምዝሰርጽን ብምግባር፡ ገበናት ንምጉዳልን ተርእዮታቶም ንምጥፋእን ስለዘገልግሉ፡ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ፡ ግንባርን ሕብረተሰብን ኣቓልቦ ሂቦም ክሰርሑሎም ከምዝግባእ ኣረዲኣ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ህዝቢ ብቐረባ ኣገልግሎት ፍትሒ ክረክብ ኣብ ዝቘማ 8 መጋባእያታት ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ፡ 8 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 24 ደያኑ ኣለዉ።

Categories