ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔለ የማነ ተስፋሚካኤል (ባዱ)፡ ብ26 ታሕሳስ፡ ኣብ መበል 68 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ለካቲት 1976 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ የማነ፡ ኣብ ገድላዊ ሂወቱ፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፡ ክሳብ ብደረጃ ማእከልነት ኮሚሽን መጐዓዝያ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ሓላፊ ሎጀስቲክስ መጐዓዝያ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ሓላፊ ፋብሪካ ሓጺን ኦሮታ፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ባቡር ምድሪ ኤርትራ ብምዃን፡ ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ኮሎኔል የማነ ተስፋሚካኤል፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ 28 ታሕሳስ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ሚኒስትሪ መጐዓዝያን መራኸቢታትን፡ ብመስዋእቲ ኮሎኔል የማነ ተስፋሚካኤል ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን፡ ጽንዓት ይምነ።

Categories