ምሕያል ስሉሳዊ ዝምድና ወለዲ፡ ተመሃሮን መማህራንን፡ ብዝለዓለ ክስራሓሉ ከምዝግባእ፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይይከኣሎ ዝርከቡ ኣባላት 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምዕዛብ፡ ብ23 ታሕሳስ ናብ ሳዋ ዝወረዱ ኣባላት ኮሚቴ ወለድን ኣካላት መንግስትን ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኣገንዚቦም።

ካብ መበል 28 ዙርያ ኣትሒዞም ኩነታት ተመሃሮ ደቆም ንምክትታል ብስሩዕ ዓመታዊ ናብ ሳዋ ክወርዱ ምጽንሖም ዝሓበሩ’ቶም ኣባላት ኮሚቴ ወለዲ፡ እቲ ምብጻሕ – ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ሓላፊ ኣሃዱ ኣካዳሚያዊ ጉዳያት 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርት ዋርሳይ-ይከኣሎ መምህር ምሕረትኣብ ገብረስላሴ፡ ምክትታል ወለዲ ኣብ ምኽላስ ትምህርታዊ ንጥፈት ዓቢ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወ/ሮ ኣምና ሓጅ ብወገና፡ ዕላማ ዑደቶም – ደቆም ንምትብባዕ፡ ካብ’ቲ ዝርከብ ውጽኢት ብምብጋስ ድማ ንዝለዓለ ዓወት ብሓባር ንምስራሕ ከምዝኾነ ሓቢራ።

 

Categories