ነበርቲ ሙሻ – ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ፡ ማይን ሓመድን ብምዕቃብ ትሕዝቶ ትሕተባይታዊ ማይ ንምህብታም፡ ኣብ ምስራሕን ምጽጋንን ከትርታት ዘተኰረ ወፈራዊ ማእቶት ኣካዪዶም።

እቲ ዕላማ፡ መሬቶም ካብ ፍግረ-መሬት ብምክልኻል፡ ንልዕሊ 8 ዓመታት ምንጪ ጽሩይ ማይ ብምዃን ከተገልግሎም ንዝጸንሐት ዲጋ – ካብ ሓደጋ ድበት ንምክልኻል እውን ምዃኑ ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ ብተወሳኺ፡ ኣብታ ዲጋ ዓሳታት ብብዝሒ ተራቢሖም ምህላዎም ብምሕባር፡ መግፈፊ ዓሳን ስልጠናን ዝረኽቡሉ መንገዲ ክናደየሎም ተላብዮም።

ነቲ ወፈራዊ ስራሕ ዝመርሐት ኢንጅነር ዮርዳኖስ ተኽለ፡ ኣብ ልዕሊ ዲጋ ሙሻ ኣብ ዝርከብ ማይ-ክዖታት ከትርታት ከምእተሰርሐ፡ ተበላሽዩ ዝጸንሐ ከትርታት ድማ ከምእተጸገኑ ሓቢራ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ርቡሕ ማይ ኣዋህሊላ እትርከብ ዲጋ ሙሻ፡ ኣብ ትሕቲኣ – ኣርባዕተ ሄክታር ዝኸውን መሬት ብኣሕምልትን ፍረታትን ይለምዕ ምህላዉ ተገሊጹ።

Categories