ኣምባሳደር ሃገረ-ኤርትራ ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም፡ ትማሊ 27 ታሕሳስ ወረቐት ስራሑ ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ ኣረኪቡ።

ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ገነተ-ልኡል ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር ሰመረ፡ ምዉቕ ሰላምታን መልእኽቲ ሰናይ ምንዮትን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ፡ ከምኡ’ውን ንመንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣመሓላሊፉ።

ብቕልጡፍ ዝግስግስ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዕቃብን ንምድንፋዕን ዝከኣሎ ከምዝጽዕር ዝሓበረ ኣምባሳደር ሰመረ፡ እዚ ኣብ ሓድሽ ትስፉው መድረኽ ኣትዩ ዘሎ ዝምድና፡ ንባህጊ ሰላምን ምዕባለን ህዝብታትን መንግስታትን ክልቲአን ሃገራት ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ብወገና፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምዉቕ ልባዊ ሰላምታ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ኣምባሳደር ሰመረ ነዚ ታሪኻዊ ዕማም ምምዛዙ “ዮሃና” ኢላ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ንዓለም ብዘደነቐ ኣካይዳን ቅልጣፈን ሰላምን ሕውነትን ይምዕብል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ወረቐት ስራሑ ክትቅበል ፍሉይ ትርጉም ከምዘለዎ ብምጥቃስ ድማ፡ ነዚ ዝምድና ንምድልዳልን ንምሕያልን ተራ ኣምባሳደር ሰመረ ልዑል ከምዝኸውን ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ገሊጻ።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣስዒባ፡ እዚ ዓቢ ዕላማ ንኽዕወት ዝከኣላ ከተበርክት ዘለዋ ቅሩብነት ብምርግጋጽ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ኢጋድን ብደረጃ ኣፍሪቃን፡ ሰላም፡ ምዕባለን ምትሕግጋዝን ንኽሰፍን ዓቢ ተራ ክጻወታ ሓላፍነትን ዓቕምን ከምዘለወን ጠቒሳ፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ሓባራዊ ጻዕሪ ምሕያል ከም ዘድሊ ኣገንዚባ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ9 ሓምለ 2018 ‘ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን” ድሕሪ ምኽታመን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ18 ሓምለ ንኣቶ ርድዋን ሑሴን ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ብ20 ሓምለ ንሚኒስተር ሰመረ ርእሶም ኣምባሳደር ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ገይሮም ከምዝመዘዙ ይዝከር።

Categories