ኣብ መንጎ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ዝካየድ እዋናዊ ርክባት፡ ንቕሓት ኣብ ምብራኽ፡ ሓድነት ኣርኣእያ ኣብ ምፍጣር፡ እዋናውያን ሕቶታት ኣብ ምምላስን ገበን ኣብ ምኽልኻልን ዘለዎ ኣገዳስነት ተራእዩ ብዝለዓለ ክቕጽል፡ ኣብ ዞባ ማእከል ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ህዝባዊ ኣኼባታት ዝተሳተፉ ዜጋታት ጸዊዖም።

ኣብ’ቲ ካብ 9 ክሳብ 23 ታሕሳስ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣኽርያ፡ ቲራቮሎ፡ ጸጸራት፡ ዕዳጋ-ሓሙስ፡ ማይ-ተመናይ፡ ኣርባዕተ-ኣስመራን ካልኦት ንኡሳን ዞባታትን ዝተኻየደ ኣኼባታት፡ ንገስጋስ መደባት ልምዓትን ኮማዊ ተሳታፍነትን፡ በብከባቢኡ ዝተራእዩ ሕጽረታትን ብድሆታትን ንምፍትሖም ዝተወስደ ስጒምቲታትን ዝምልከት መብርሂታት፡ በብዝምልከቶም ሰብመዚ ተዋሂቡ።

ዝቐረበ ጸብጻባት፡ መንግስቲ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ዘብርህ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኮማዊ ኣበርክቶ ዘደንፍዕ እውን ብምዃኑ፡ ካብኣቶም ዝሕተት ንምፍጻም ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ገበናትን በደላትን ንምጉዳል ዝያዳ ክስራሕ፡ ምትእትታው ሽታ ኣልቦ ዓይኒ-ምድሪ ክሰፍሕ፡ ጥዕና ጠቀስ ኣስተምህሮታት ክሕይል ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ድማ ኣቕሪቦም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ድማ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፋ ኣብያተጽሕፈት ሚኒስትሪታትን ማሕበራትን፡ ኣመሓደርቲ 28 ምምሕዳራት ከባቢ፡ ዓበይቲ ዓድን ኣነባበርትን ዝተሳተፍዎ ገምጋም ስራሕ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ 8 ዓድታት ንልዕሊ 900 ዜጋታት መሬት ጤሳ ከምእተዓደለ፡ ኣብ 135 ሄክታር ዝተራእየ ሰጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቁጽጻር ዕዉት ስራሕ ከምእተኻየደ፡ 26 ኪሎሜተር መገብቲ ጽርግያታት ብወፈራ ከምእተጸገኑ፡ ኣስታት 16 ሽሕ ፈልሲታት ቡን ተተኺሉ – 95 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ኣብ ናይ 2019 ውጥን መደባት መብርሂ ሂቡ።

 

Categories