‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስለተር’ (ION) ዝተባህለ ጋዜጣ፡ ኣብ ናይ 21 ታሕሳስ 2018 – ቊጽሪ 1488 ሕታሙ፡ “ፕረዚደንትታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (AMISOM) ኣብ 2021 ካብ’ታ ሃገር ጠቕሊሉ ምስ ወጸ፡ ንቦታኡ ንምትካእ ድሌት ከምዘለዎም፡ ንሶማላዊ መዘናኦም ኣሚቶምሉ። ኤርትራ ድማ፡ ቀዳሞት ኣሃዱታት ‘AMISOM’ ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ ወጻ፡ ብቕጽበት 5,000 ወተሃደራት ናብ ሶማልያ ንምልኣኽ መደብ ኣለዋ።” ክብል ህውቱት “ትንታነ” ኣስፊሩ ኣሎ።

እዚ ውጹእ ሓሶት እዩ።

‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስለተር’ (ION)፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተፈብረኸን ቅንጣብ ሓቂ ዘይብሉን “ዜናዊ ትንታነታት” ብዛዕባ ፍጻመታትን ኣመታትን ዞባና ከቕርብ፡ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን። እኳ ደኣ፡ ሕላገቱ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስለተር’ (ION) ኣማዕቢልዎ ዘሎ፡ ናይ ሓሶት ወረን ሓበሬታን ናይ ምንዛሕ ባህጊን ልምድን፡ ንስም’ቲ ጋዜጣ ካብ ምብራዝ ሓሊፉ፡ ዘገልግሎ ዕላማ የብሉን።

ስለዝኾነ፡ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስለተር’ (ION) ንኣንበብቱ ከኽብርን ናይ ሓሶት ወረ ካብ ምንዛሕ ክሕየብን ደጊምና ንጽውዕ።

ሚኒስትሪ ዜና – ኣስመራ

26 ታሕሳስ 2018

Categories