ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሽግራት ንዘለወን ስድራ-ቤታት ዓይነታዊ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ተልኣይ፡ ኩልንቴባይ፡ ዋካይን ማእከል ምምሕዳር ፎርቶ-ሳዋን ንዝነብራ ስድራ-ቤታት ዝተገብረ ደገፍ፡ ብመሰረት ምርጫ ናይ’ተን ስድራቤታት – ንነፍሲ-ወከፍ ስድራ ብዋጋ 10 ሽሕ ናቕፋ ዝተተግበረ መደብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣቐዲሙ እውን ኣብ ካልእ ከባቢታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝነብራ ስድራ-ቤታት፡ ተመሳሳሊ ደገፍ ክገብር ምጽንሑ ይግለጽ።

Categories