ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ብ25 ታሕሳስ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ኣድማዕነት ትግባረ መደባት ልምዓት ዘትዩ።

ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝካየድ ስራሓት፡ ብስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ምስ ዝስነ ዝያዳ ከምዘድምዕ ዝገለጸ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን፡ ህዝቢ በብከባቢኡ ግቡእ ኣጠቓቕማ መሬትን ባህርያዊ ጸጋታትን ክኽተል፡ ሃብቲ ገረብ ክዕቅብን ሓድሽ ክተክልን ብመደብ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓደ ካብቶም ን2018 ዝተወጠኑ መደባት፡ ምግራብን ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ከምእተሰላሰለ ዝጠቐሰ ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀል፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ዝርከቡ መደባት ንምዕዋት፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ብሓያል ውዳቤ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መዳይ ጥዕና ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ኣብ ክንክን ቅድምን ድሕሪን ሕርሲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወለንታዊ ምኽርን ማዕዳን ኣፍልጦ ህዝቢ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሞት ኣደታትን ህጻናትን እናኣንቈልቈለ ከምዝመጸ፡ ኮም ዝሰረቱ መደባት ጽሬት እውን ኣተባባዒ ውጽኢት ከምዘርኣየ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ጽሬት ዝስተ ማይ ምክትታሉ ከሐይል፡ መስመራት ኣውቶቡስ ክጣጣሕ፡ ዕደላ መሬት ጤሳ ክቀላጠፍ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘሎ ድኽመታት ጠመት ክግበረሉ ተላብዮም።

Categories