ባይቶ ዞባ ዓንሰባ፡ ብ22 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ከረን መበል 21 ምዱብ ኣኼባኡ ብምክያድ፡ ንጥፈታቱ ገምጊሙ።

ባይቶ፡ ብኹለን ክፍልታት፡ ማሕበራትን ፖሊስን ዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምምልካት፡ ኣብ ምኽፋል ግብሪ ብዛዕባ ዝርአ ዘሎ ምድንጓያትን ፍታሑን፡ ገስጋስ ንጥፈታት ሕርሻን ኩነታት ኣእካልን፡ ዝተሓርሰ መሬትን ውጽኢቱን ብሄክታር፡ ከምኡ’ውን ምስ ቀረብን ውሕስነትን መግቢ ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ጉዳያት ብምልዓል ብደቂቕ ዘትዩን ሓሳባት ኣፍሲሱን።

ብዘይካ’ዚ፡ ብክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ኣብ መስርሕ ትግባረ ንዘለዉ፡ ዝተዛዘሙን ዘይተጀመሩን ፕሮጀክትታት ምስራሕ ዲጋታት፡ ራህያታት፡ ትካላት ትምህርትን ሕክምናን ብምግምጋም፡ ሕጽረታት ኣብ ምውጋድ ዘተኰረ ምይይጥ ኣካዪዱ።

ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ንዝመጽእ ክራማት ከሎ ገና ምድላዋቱ ንኸጻፍፍ ሕርሻዊ ምኽርን ስልጠናታትን ክውደበሉ፡ ኣከባብያዊ ጽሬት ብስሩዕ ክድፈኣሉ፡ ወፍሪ ክታበት ህጻናትን ቈልዑን ቀጻልነት ክህልዎ፡ ኣብ ውጽኢት ትምህርቲ ዝርአ ዘሎ ድኻማት ጠንቁ ተለልዩ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣሕሊፉ።

Categories