ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ምክልኽል ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ምቁጽጽር መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስን፡ ንቑሕ ተራ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ናይ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ንምዕዛዝ – ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ኣሃዱ ጐስጓስን ሓበሬታን ኣቶ ሃብተ ገብረመስቀል፡ ኣብ ሃገርና – ኣብ ምቁጽጻር ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ዘተባብዕ ገስጋስ’ኳ እንተሎ፡ መልከፍቲ ናይ’ዚ ቀዛፊ ሕማም ናብ ዜሮ ክሳብ ዝወርድ፡ ምዝናይ ከም ዘየድሊ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኤርትራ መጠን ሓድሽ መልከፍቲ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ከምዝወረደ ዝሓበረ ኣቶ ሃብተ፡ ጠቕሊልካ ንምጥፋኡ፡ ሕብረተ-ሰብ፡ ምምሕዳራትን ማሕበራትን ልዑል ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺሩ።

ብደረጃ ዓለም፡ መዓልታዊ 5000 ሰባት ብኤች.ኣይ.ቪ ከምዝልከፉ፣ ካብተን ብኤች.ኣይ.ቪ ዝልከፋ 20 ኣዴታት – 5 ህጻናት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን፡ 3 ድማ ኣብ እዋን ምጥባው – እቲ ቫይረስ ከምዝሓልፎም ገሊጹ።

Categories