ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ብትምህርትን ሞያን ክስጒማን፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብ ርእሰን ክኢለን ዕዙዝ ተራ ከበርክታን ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ማሕበር ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ብ22ን 23ን ታሕሳስ ኣብ ሳዋ ንኣባላት 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ተመሃሮ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታትን ኣብ ዘካየደቶ – ብምርኢት ቪድዮ ዝተሰነየ ሰሚናር፡ ምሕያል ደቂ-ኣንስትዮን ኣገዳስነቱ ኣብ ሕብረተሰብን፡ ደቂ-ኣንስትዮን ሞያውነትን፡ ደቂ-ኣንስትዮን ትምህርትን ኣብ ትሕቲ ዝብሉ ኣርእስታት፡ ሰፊሕ መግለጺ ሂባ።

“ራእይ ማሕበር፡ ኩሎም ዜጋታት – ብዘይ ናይ ጾታ ኣፈላላይ፡ ማዕረ ዕድላትን መሰላትን ዝረኽቡላ፡ ብቑጠባ ዝማዕበለት ኤርትራ ምህናጽ’ዩ” ዝበለት ወ/ሮ ተኽኣ፡ እዚ ከኣ – ማዕረ ጻዕሪን ኣበርክቶን ዝሓትት መስርሕ ስለዝኾነ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ተራሕዩለን ንዘሎ ዕድላት ትምህርትን ሞያን ብግቡእ ተጠቒመን፡ ማዕረ ኣሕዋተን ክስጒማ ተላብያ።

ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ጐስጓሳት፡ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ባህላዊ ጸቕጢ ወጺአን፡ ኣበርክቶአን ኣብ ኩሉ ጽላታት ይንጸባረቕ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ እዚ ብኣድማዕነት ክቕጽልን ናብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ክብጻሕን ምእንቲ፡ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ከም ሰብ ጉዳይ መጠን ጻዕሪታተን ከሐይላ ኣዘኻኺራ።

 

Categories