ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ተዀንዳዕን ዓዲኻንታን ንዝነብሩ 10 ጽጉማት ስንኩላን ደገፍ ገይሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሓላፊ’ቲ ቤትጽሕፈት፡ ኣቶ ገብርኤል ካሕሳይ፡ እቶም ብምምሕዳር ዝተለለዩ ስንኩላን – ነፍሲ-ወከፎም ብዋጋ 10 ሽሕ ናቕፋ፡ ብምርጫኦም ብጥሪት እዮም ተጣይሶም።

ብዝተገብረሎም ደገፍ መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ከኣ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጾም።

Categories