ባይቶ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መበል 15 ምዱብ ኣኼባኡ፡ ብ28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣካዪዱ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ ኣቶ ዓሊኑር ዓሊ፡ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ፡ ዝያዳ ውህደትን ተወፋይነትን ንውጽኢታዊ ስራሕ ዝሓትት ብምዃኑ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ምጕስጓስ ህዝቢን ምክትታል ትግባረ ስራሓትን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ 2018 ዝተሰላሰሉ መደባትን ዝነበሩ ብድሆታትን ዝገልጽ ጸብጻባት በብዝምልከቶም ሓለፍቲ ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምግታእ ኤች.ኣይ.ቪ/ ኤይድስ ድማ ብፍላይ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣፍልጦን ንቕሓትን ብዝበለጸ ክስራሓሉ ተሓቲቱ።

ህዝቢ፡ ተወሳኺ መምሃሪ ክፍልታት ኣብ ምስራሕን ንመማህራን ኣብ ምትብባዕን ዝወስዶም ተበግሶታት’ኳ እንተለዉ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ፡ ናይ ደቂኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምዕባይ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ተራ ኣባላት ባይቶ ወሳኒ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣባላት ባይቶ ንዝቐረቡ ጸብጻባት ብዕምቈት ድሕሪ ምግምጋም፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ንምዕባይ ኣቐዲሞም ብባይቶ ዝሓለፉ ውሳነታት ብግብሪ ክስራሓሎም፡ ጽገና ኣብያተ-ትምህርትን ጥዕናን ክቀላጠፍ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክተባባዕን ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ዘዕዝዙ መደባት ቈላሕታ ክወሃቦምን ዝብሉ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ህዝቢ ተራኦም ክዓዝዝ ብምትሕስሳብ – ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዕቱብ ክሰርሑሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories