ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ብ29 ታሕሳስ ንኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰሚናር ኣካዪዱ።

ንዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዘብርሀ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ስነኣእምሮኣዊ ምዕባለን ንቕሓትን መንእሰያት ክብ ብምባል – ሃገራዊ መንነት ንምሕያልን ውሕስነትን ህላወን ሃገር ንምርግጋጽን ኣገዳሲ ዕማም ከምዝኾነ፡ ብዝርዝር ኣረዲኡ።

“ክብርታት፡ ናብ ሓድሽ ወለዶ ምስግጋር ቀዳማይ ዕማምን ተልእኾን ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዩ” ዝበለ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ገዛእቲን ተጻባእትን ሓይልታት ዘርኣዮ ዘዅርዕ ጅግንነትን መኸተን፡ ክዕቀብ፡ ክስነድን ናብ ወለዶታት ክሰጋገርን ዘለዎ ዘሐብን ናይ ታሪኽ ውርሻ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኮሎኔል ደበሳይ፡ ዓቕሚታት መንእሰያት ብሞያን ኣካዳሚን ብምምዕባል – ውሑስ መጻኢ ንምርግጋጽ፡ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

Categories