ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንጥፈታት ምግራብን ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብዝያዳ ክድፋኣሉ ጻውዒት ቀሪቡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን፡ እቲ ዞባ ሰፊሕ ናይ ሕርሻን መጓሰን ንጥፈታት ዝካየደሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ምዕቃብ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን እውን ከምቲ ዝድለ ብዘይምዃኑ፡ መጠን ብርሰት ኣግራብን እንስሳታት ዘገዳምን እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

እዚ ዕማማት’ዚ ብቐንዱ – ብዘይ ንቑሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ክዕወት ስለዘይክእል፡ ኮም ዝሰረቱ ሜላታት ተኣታትዩ ብዝሓየለ ኣወዳድባ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ዝገለጸ ኣቶ ኣቡበከር፡ ኣብ’ዚ ዕማማት’ዚ፡ ተራ ኣመሓደርትን ወከልቲ ህዝብን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ንኡሳን ዞባታት ላዕላይ-ጋሽ፡ ጎልጅን ሻምብቆን ልዑል ብርሰት ኣግራብ ዝረኣየሎም ከባቢታት ከምዝኾኑ፡ ንጥፈታት ምግራብ ንምድንፋዕ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ዝተዳለወ ልዕሊ 682 ሽሕ ፈልሲታት ድማ፡ እቲ 275 ሽሕ – ማለት 40 ሚእታዊት ጥራይ ከምእተተኽለ፡ ጸብጻባት ናይ’ቲ ዞባ የመልክቱ።

ኤሪና ዝተወከሰቶም ነበርቲ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ፡ ብርሰት ኣግራብን ሳዕቤናቱን ንምግታእ፡ ዓድታት ጸጋታት ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ከባቢአን ዝሕልዋሉ ሜላታት ንምስራጽ ክድፋኣሉ፡ ጉዳይ ተተካኢ ጸዓት ክሕሰበሉ፡ ኣብ ክሊ ሓራምዝን ሕሩም ሕዛእትን ዝህነጹ ሰፈራታት ክውገዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብረስቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ክኸርር፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories