Author - Staff

መስመር መጐዓዝያ ምድሪ ኦምሓጀር – ሑመራ ብወግዒ ተኸፊቱ

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር መጐዓዝያ ምድሪ ኦምሓጀር – ሑመራ፡ ትማሊ 7 ጥሪ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ብወግዒ ተኸፊቱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡...

ምምሕዳር ዞባ ጋሽ ባርካ ዓመታዊ ንጥፈታቱ ገምጊሙ

ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ 2018 ኣብ ልምዓታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲውን ባህላውን መዳያት ናይ ዘካየዶ ንጥፈታት ገምጋም፡ ብ3ን 4ን ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣቃኒዑ። ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ በቲ ኣስታት 400 ሽሕ ጉልበት ሰብ ዝተሳተፎ ወፈራታት፡ ኣብ...

ሞልቊ – መስርሕ መለሳ መሬት ብግቡእ ተተግቢሩ

ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ን2018 ካብ ዝወጠኖም ዓበይቲ መደባት – መስርሕ መለሳ ናይ ሕርሻ መሬት፡ ብጽቡቕ ከም እተተግበረ ተሓቢሩ። እዚ ዝተገልጸ፡ ንጥፈታት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሞልቊ ኣቶ ዘርኣይ...

ዋና ጸሓፊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ቃለ-ቡራኬ ሂቦም

ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት ቃለ-ቡራኬ ሂቦም። ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ መልእኽቶም፡ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ልደት፡ ንዓመታት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ኲናት...

ኣመሓዳሪ ዞ/ሰ/ቀ/ባሕሪ፡ ንወከልቲ ህዝቢ ከተማ ባጽዕ ሰሚናር ኣካዪዱ

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ብ3 ጥሪ ንወከልቲ ህዝቢ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ሃገራውን ሰውራውን ክብርታት ብምዕቃብ መደባት ልምዓት ምድንፋዕ፡ መድረኽ ዘሰክሞ እዋናዊ ዕማም ከምዝኾነ ኣገንዚቡ። “ብግቡእ ዝተወደበን...

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኬንያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ። እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ትማሊ ዓርቢ 4 ጥሪ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት...

‘ድምጺ ሓፋሽ’ መበል 40 ዓመት ምምስራታ ጸምቢላ

‘ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ’፡ መበል 40 ዓመት ምምስራታ ትማሊ 3 ጥሪ ጸምቢላ። ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ህንጻ ሚኒስትሪ ዜና – ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሃገር-ሜድያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ነባራትን ሓደስትን ኣባላት፡ ከምኡ’ውን ተኸታተልቲ ረድዮ ተረኺቦም ነይሮም። ዋና...

Login

Categories