Author - Staff

ኣእካል ዞባ ጋሽ-ባርካ ብወፈራታት ይእከብ ኣሎ

ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ክራማት ሎሚ ዓመት፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዘልመዖን ኣብ ፍረ ዝበጽሐን ልዕሊ 6 ሽሕ ሄክታር፡ እዚ ምዕራባዊ ግንባርን ምምሕዳራትን ብዝወደብዎ ወፈራታት ይዕጸድ ከምዘሎ፡ ነቲ መደብ ዝከታተል ዘሎ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።...

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ዝተፈላለየ መደባት ኣሰላሲሎም

ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱም፡ ገዳርፍ፡ ከሰላን ፖርት-ሱዳንን – ሱዳን፣ ሚላኖ – ኢጣልያ፣ ሸሞንተ ከተማታት ደቡባዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ – ዝተፈላለየ መደባት ኣሰላሲሎም። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ኣቶ...

ሚኒስተር ዑስማን፡ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል-ጅዳ ሰሚናር ኣካዪዱ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብ14 ሕዳር ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ጅዳን ከባቢኣን፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን፡ ከምኡ’ውን ቁጠባ ሃገርን መነባብሮ ዜጋታትን ንምምሕያሽ መንግስቲ ኣብ ዘተግብሮ ዘሎ መደባት...

ኣብ ዞባታት ደቡባውን ሰሜናውን ቀይሕ ባሕሪ፡ ወፍሪ ክታበት ኣንቅጺ ጽቡቕ ይሰላሰል ኣሎ

ትማሊ 15 ሕዳር ብወግዒ ዝተበገሰ ወፍሪ ክታበት ኣንቅጺን ዕደላ ቪታሚን ‘ኤ’ን፡ ኣብ ዞባታት ደቡባውን ሰሜናውን ቀይሕ ባሕሪ ብጽቡቕ ክሰላሰል ከም ዝወዓለ፡ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም። ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘተኰረ ኣስተምህሮታትን ዝተጻፈፈ ቅድመ...

ንኣባላት ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ዝተወደበ ስልጠና ተዛዚሙ

ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር፡ ምስ ኣህጉራዊ ኣብያተ-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተርን ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ማሕበር ኣብያተጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝን ብምትሕብባር – ክህቦ ዝቐነየ ስልጠና ተዛዚሙ። እቲ፡ ካብ 11 ክሳብ 15 ሕዳር ዝተዋህበ ትምህርቲ...

Login

Categories