ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብ14 ሕዳር ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ጅዳን ከባቢኣን፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን፡ ከምኡ’ውን ቁጠባ ሃገርን መነባብሮ ዜጋታትን ንምምሕያሽ መንግስቲ ኣብ ዘተግብሮ ዘሎ መደባት ልምዓት ሰሚናር ኣካዪዱ።

ሚኒስተር ዑስማን፡ ዓሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝን ውህደትን ባይታ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ ዘይተሓለለ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሃገራት ናይ’ዚ ዞባ ጀሚረናኦ ዘለዋ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን ምምልላእን ዝተመርኰሰ ሃናጺ ጽምዶ፡ ረብሓታቱ ኪኖ ዞባናን ኣህጉር ኣፍሪቃን – ንሰላምን ርግኣትን ዓለም እውን ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ኣገንዚቡ።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝተኻየደን ብንቑሕን ሓያልን መኸተ ዝፈሸለን ንልኡላውነትና ዘነጻጸረ ኩሉ ዓይነታት ሸርሕታትን ተጻብኦታትን፡ ንኤርትራ ከም ሃገር መሊሱ ከምዘሐየላ ብምሕባር፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ መዋእል፡ ኩሉ ጸጋታታ ኣጐሳጒሳን ኣወሃሂዳን፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ መጓዓዝያ፡ ወደባት፡ ቀረብ ጸዓትን ማይን፡ ኣብ ሕርሻን ካልእን ዓበይቲ መደባት ልምዓት ኣበጋጊሳ ከምዘላ ኣብሪሁ።

ወፍሪ ኣብ ዝምልከት፡ ሚኒስተር ዑስማን፡ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ንዜጋታት ቀዳምነት ኣብ ዝህብ ዕድላት፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ሕርሻን ምስናዕን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ረቡዕ 13 ሕዳር ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ጅዳን ከባቢኣን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስፖርታዊ ውድድራት ንዝተዓወቱ ብምሽላም፡ ብ15 ሕዳር ተዛዚሙ።

Categories