ትማሊ 15 ሕዳር ብወግዒ ዝተበገሰ ወፍሪ ክታበት ኣንቅጺን ዕደላ ቪታሚን ‘ኤ’ን፡ ኣብ ዞባታት ደቡባውን ሰሜናውን ቀይሕ ባሕሪ ብጽቡቕ ክሰላሰል ከም ዝወዓለ፡ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘተኰረ ኣስተምህሮታትን ዝተጻፈፈ ቅድመ-ምድላዋትን፡ ኣብ ኣድማዕነት ናይ’ቲ ወፍሪ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ እዩ – እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓላፊ መደባት ክታበት ኣቶ ሑመድ እድሪስ፡ ኣብ’ዚ ክሳብ 30 ሕዳር ኣብ 206 ነቚጣታት ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ፡ ንኣስታት 70 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ’ቲ ዞባ ክታበት ጸረ-ኣንቅጺ ክወሃብ፡ ን12 ሽሕ ህጻናት ድማ ቪታሚን ‘ኤ’ ክዕደል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ እውን ነቲ ወፍሪ ንምብጋስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን፡ ኣስታት 300 ሽሕ ካብ 1 ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድመኦም ክፋል ሕብረተሰብ ክኽተቡ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ከተማ ባጽዕን ከባቢኣን ጥራይ፡ ልዕሊ 26 ሽሕ ዜጋታት ክኽተቡ ምዃኖም፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ነዚ ሸቶ’ዚ ንምውቃዕ፡ ብደረጃ ዞባ፡ ኣብ 10 ንኡሳን ዞባታት፡ 104 ምምሕዳራት ከባብን 289 ዓድታትን ሓያሎ ነቚጣታት ክቘማ እንከለዋ፡ ዘድሊ ዓቕሚ-ሰብን መሳለጥያን ተዋፊሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Categories