ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ክራማት ሎሚ ዓመት፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዘልመዖን ኣብ ፍረ ዝበጽሐን ልዕሊ 6 ሽሕ ሄክታር፡ እዚ ምዕራባዊ ግንባርን ምምሕዳራትን ብዝወደብዎ ወፈራታት ይዕጸድ ከምዘሎ፡ ነቲ መደብ ዝከታተል ዘሎ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣብ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ሓላፊ ሕርሻታት ደቡባዊ ምዕራብ ኣቶ ሓይለዝጊ ሃብተ፡ ሎሚዘበን ኣብ ከታይ 4,500 ሄክታር፡ ኣብ ገርሰት ድማ 1500 ሄክታር ስምስምን መሸላን ከምእተዘርአ ብምሕባር፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ተመሃሮ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ዝሳተፍዎ ወፈራታት ምጥርናፍ ዘራእቲ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ነበርቲ ከተማ ተሰነይ፡ ኣእካል – ጸያቕ-ማዕጺድ ከየርከቦ ኣብ ቆፎኡ ንኽኣቱ፡ በብጉጅለ እናተወደቡ ይዓጽድዎ፡ ይጐንኡዎን ይእክብዎን ከምዘለዉ ገሊጾም።

Categories