ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር፡ ምስ ኣህጉራዊ ኣብያተ-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተርን ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ማሕበር ኣብያተጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝን ብምትሕብባር – ክህቦ ዝቐነየ ስልጠና ተዛዚሙ።

እቲ፡ ካብ 11 ክሳብ 15 ሕዳር ዝተዋህበ ትምህርቲ ብቐንዱ፡ ንጹርነት ኣብ ዘለዎ ኣጸሓሕፋ ጸብጻብ ኦዲት ዘተኰረ ኮይኑ፡ 38 ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ተሳቲፎምዎ። ጸብጻብ፡ ንምርድኡ ቀሊል ብዝኾነ ኣገባብ ንምቕራቡ ዝሕግዝ ትምህርቲ ድማ፡ ብክኢላታት ናይ’ቲ ዓውዲ ተዋሂቡ።

ኣወሃሃዲ ናይ’ቲ መደብ፡ ዳይረክተር ኦዲት ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ኣቶ ኣማኑኤል ኢሳቕ፡ መለክዒታት ኦዲት ምስ ግዜ ዝቀያየር ብምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ እውን ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ተመሳሳሊ ስልጠናታት ክውድቡ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣብ ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ማሕበር ኣብያተጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ – ላዕለወይቲ ኣካያዲት ስራሕ ሓበሬታ ሚስ ኣነሪ ፕሪቶርዩስ፡ እቲ ትምህርቲ፡ ኣፍልጦ ብምብራኽ ንዝጸንሐ ኣሰራርሓ ንምምሕያሽ ዝድርኽ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ መጻኢ እውን በብደረጃኡ እናተራእየ ክወሃብ መደብ ከምዘሎ ገሊጻ።

Categories