Author - Staff

ናቕፋ – ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ጻዕሪታት ይቕጽል

ነበርቲ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ብሕልፊ ኣብ ደቂኣንስትዮ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሃስያ ዘውርዱ – ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተመዝገበ ዓወታት ንምዕቃብ ብንጥፈት ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም። ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት...

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም

ኤርትራ፡ ኣብ ዋዕላ ባይቶ ‘ኣህጉራዊ ውድብ ማሪታይም’ ክትሳተፍ እንከላ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ፍራንክፈርትን ማንሃይምን – ጀርመን፡ ሞንትርያል ካናዳን ኩወይትን ድማ፡ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም። ኤርትራ፡ ካብ 25 ሕዳር ክሳብ 4 ታሕሳስ ኣብ...

ኣዝርእቲ ሕርሻ ከታይ፡ ብሓይልታት ምክልኻል ይእከብ ኣሎ

ሎሚ ዓመት ብዝነበረ ህጡር ክራማት፡ ኣብ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሄክታር ሕርሻ ከታይ ዝለምዐን፡ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ዝበጽሐን ኣዝርእቲ፡ ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ይእከብ ኣሎ። ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ሕርሻ መንእሰይ ሓበን ተስፋዮውሃንስ፡ ሎሚ ዘበን ኣብ ከታይ ልዕሊ...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወረቐት ስራሕ 18 ኣምባሳደራት ተቐቢሉ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 4 ታሕሳስ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ደንደን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ወረቐት ስራሕ 18 ኣምባሳደራት ሃገራት ተቐቢሉ። እቶም ወረቐት ስራሖም ዘቕረቡ ኣምባሳደራት፡ ዛጊት ኣምባሳደር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡...

ኣፍዓበት – ሸፈነ ክታበት ኣንቅጺ፡ ኣስታት ሚእቲ ሚእታዊት በጺሑ

ካብ 10 ክሳብ 30 ሕዳር ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ናይ ዝተኻየደ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ሸፈነ ልዕሊ 98 ሚእታዊት፡ ምዕዳል ቫይታሚን ‘ኤ’ ድማ፡ 100 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ተገሊጹ። ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ኣፍዓበት ነርስ ኣስራት ኣሚነ፡ እቲ...

ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሰማእታት ‘ዕዉታት ተመሃሮ’ ሸሊማ

ኣብ ከተማ ኣስመራ እትርከብ ቤትትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሰማእታት፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 12 ክፍሊ ብሉጽ ነጥቢ ዘመዝገቡ ተመሃሮኣ – ኣባላት 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሸሊማ። ብ1 ታሕሳስ ኣብ ኣዳራሽ ሲነማ ኢምፐሮ...

ኣብ ስትራተጂያዊ ውጥን ጽላት ጥዕና ዝመያየጥ ዓውደ-መጽናዕቲ ተኸፊቱ

ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጂያዊ ውጥን ጽላት ጥዕናን፡ ሃገራዊ ውጥን ትግባረ ውሕስነት ጥዕናን ዝመያየጥን፡ ክሳብ ጽባሕ 5 ታሕሳስ ዝቕጽልን ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ትማሊ 3 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ። ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ ራእይ ሃገራዊ ፖሊሲ ጥዕና...

ሰ/ቀ/ባሕሪ – መንእሰያት ንስድራ ስዉኣት ሓጊዞም

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት በብትካሎም ተወዲቦም ሓላፍነት ምንባይ ስድራ ስዉኣት ክወስዱ ብዝኣተውዎ ቃል፡ ሰራሕተኛታት ቱሪዝም ዞባ ንስድራ ስዉኣት ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮም። ነቲ ዘዋጽእዎ ገንዘብ ብ28 ሕዳር ንስድራ ስዉኣት ኣብ ዘረከቡሉ...

Login

Categories