ሎሚ ዓመት ብዝነበረ ህጡር ክራማት፡ ኣብ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሄክታር ሕርሻ ከታይ ዝለምዐን፡ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ዝበጽሐን ኣዝርእቲ፡ ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ይእከብ ኣሎ።

ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ሕርሻ መንእሰይ ሓበን ተስፋዮውሃንስ፡ ሎሚ ዘበን ኣብ ከታይ ልዕሊ 3500 ሄክታር ጻዕዳን ቀይሕን መሸላን ብልቱግን፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ 300 ሄክታር ስምስም ከምእተዘርአ፡ ብዝተገብረ ቅድመ-ምድላዋትን ዝነበረ እኹል ዝናብን ድማ፡ ርቡሕ እቶት ክርከብ ትጽቢት ከምዘሎ ገሊጹ።

ብምውህሃድ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ ዞባ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ዝበጽሐ ኣእካል ብኣጋ ንምእካቡ ይነጥፉ ከምዘለዉ ዝሓበረ መንእሰይ ሓበን፡ ዛጊት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሄክታር ከምእተዓመ ሓቢሩ።

መንእሰይ ሓበን፡ ንተራ ናይቶም ብዝተፈላለየ ዓውድታት ሕርሻ ካብ ኮለጃት ዝተመረቑ ሞያውያን፡ ከምኡ’ውን ንኣበርክቶ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ሞጒሱ።

Categories