ነበርቲ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ብሕልፊ ኣብ ደቂኣንስትዮ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሃስያ ዘውርዱ – ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተመዝገበ ዓወታት ንምዕቃብ ብንጥፈት ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሃማደኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ወ/ሮ ዘይነብ መሓመድ-ዓሊ፡ ሃሰይቲ ልምድታት ንምውጋድ ክካየድ ዝጸንሐ – ብቐንዱ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ውጽኢታዊ ምንባሩ ገሊጻ።

እቲ ንማሕበረ-ቁጠባዊ፡ ጥዕናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዓቕሚታት ደቂኣንስትዮ ዘዳኽም ተርእዮ፡ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝጠፍእን ደግሲ ንኸየጋጥምን ዝካየድ ጻዕሪ፡ ብዝሓየለ መንገዲ ክቕጽል እውን ጸዊዓ።

Categories