ኤርትራ፡ ኣብ ዋዕላ ባይቶ ‘ኣህጉራዊ ውድብ ማሪታይም’ ክትሳተፍ እንከላ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ፍራንክፈርትን ማንሃይምን – ጀርመን፡ ሞንትርያል ካናዳን ኩወይትን ድማ፡ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም።

ኤርትራ፡ ካብ 25 ሕዳር ክሳብ 4 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ለንደን – ዓባይብሪጣንያ ኣብ ዝተቓንዐ መበል 31 ዓመታዊ ዋዕላ ባይቶ ‘ኣህጉራዊ ውድብ ማሪታይም’፡ ከምኡ 6እውን 174 ኣባል ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍኦ – ካብ 2020 ክሳብ 2021 ዘገልግል ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካል ናይ’ቲ ውድብ ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ከም እተሳተፈት ተፈሊጡ።

‘ኣህጉራዊ ውድብ ማሪታይም’፡ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ተቘጻጻሪ ድሕነት፡ ጸጥታን ኣከባብያዊ ውሕስነትን መጐዓዝያ ባሕሪ እዩ።

ኣብ ካልእ ዜና፡ ሃገራዊ ሽማግለ ጀርመን፡ ካብ 14 ከተማታት ዝመጹ 52 ወከልቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ23 ሕዳር ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ሓላፊ ዲፕሎማሲን ሜድያን ኣቶ ተኽሉ ለባሲ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃን ሰፊሕ ሓበሬታ ሂቡ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ማንሃይም ድማ፡ “ሓርበኛታት ስንኩላን ምሕጋዝ፡ ግዴታ ኩሉ ዜጋ እዩ” ብዝብል ቴማ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን ዘኪሮም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ተሳተፍቲ ዝተኣከበ 2500 ዩሮ፡ ንሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ተወፍዩ።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሞንትርያል ካናዳን ኣባላት ሕድሪ ሞንትርያልን፡ ዝኽሪ 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ብ23 ሕዳር ጸምቢሎም።

ብተመሳሳሊ ኤርትራውያን ነበርቲ ኩወይት፡ ዝኽሪ 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ብ29 ሕዳር ጸምቢሎም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩወይት ኣቶ ሑመድ ያሕያ ሓሊ፡ “ምሉእ ተሳትፎ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ እንተዘይነብር፡ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ክብጻሕ ኣምበይምተኻእለን” ኢሉ።

Categories