ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 4 ታሕሳስ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ደንደን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ወረቐት ስራሕ 18 ኣምባሳደራት ሃገራት ተቐቢሉ።

እቶም ወረቐት ስራሖም ዘቕረቡ ኣምባሳደራት፡ ዛጊት ኣምባሳደር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ንግስነት ስዑዲዓረብ፡ ኣምባሳደር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን፡ ኣምባሳደር ዓባይ-ብሪጣንያ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ህንዲ፡ ኣምባሳደር ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ስሎቫክያ፡ ኣምባሳደር ንግስነት ቤልጅዩም፡ ኣምባሳደር ፈደራላዊት ረፓብሊክ ናይጀርያ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ሰርብያ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ጊኒ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ኡጋንዳ፡ ኣምባሳደር ሮማንያ፡ ኣምባሳደር ኦስትርያ፡ ኣምባሳደር ፖላንድን ኣምባሳደር ኣየርላንድን እዮም።

እቶም ናይ ስራሕ ወረቐቶም ዘቕረቡ ኣምባሳደራት ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ዝምድናታት ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንምምዕባልን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ንምስፋሕን ንምድልዳልን ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ድማ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ኢንዶኔዥያ፡ ኣምባሳደር ካናዳ፡ ኣምባሳደር ፊንላንድ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ቸክ፡ ኣምባሳደር ስጳኛ፡ ኣምባሳደር ሽወደን፡ ኣምባሳደር ፊሊፒንስ፡ ኣምባሳደር ርዋንዳ፡ ኣምባሳደር ግሪኽ፡ ኣምባሳደር ብራዚልን ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ቬነዝዌላን ወረቐት ስራሖም ከቕርቡ እዮም።

Categories