ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት በብትካሎም ተወዲቦም ሓላፍነት ምንባይ ስድራ ስዉኣት ክወስዱ ብዝኣተውዎ ቃል፡ ሰራሕተኛታት ቱሪዝም ዞባ ንስድራ ስዉኣት ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮም።

ነቲ ዘዋጽእዎ ገንዘብ ብ28 ሕዳር ንስድራ ስዉኣት ኣብ ዘረከቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ኣሕመድ ጃዕፈር፡ እቲ መደብ ካብ ትካላት ናብ ምምሕዳራት ንኡስ ዞባ እናሰፍሐ ከምዝመጸ ብምጥቃስ፡ ነቶም ወለንታዊ ተበግሶ ብምውሳድ ስድራ ጀጋኑ ስዉኣቶም ዝሕግዙ ዘለዉ ምስጋና ኣቕሪቡ።

እቲ መደብ ካብ ዝጅምር ድሮ ሓላፍነት ምንባይ 38 ስድራ ስዉኣት ተወሲዱ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣሕመድ፡ ኣብ ምጽጋንን ምህናጽን ኣባይቶም እውን ይነጥፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሞጎስ ኣስገዶም፡ እቲ ብመንእሰያት ሰራሕተኛታት ዝተወስደ ተበግሶ፡ መርኣያ ባህሊ ምትሕግጋዝ ህዝቢ ኤርትራን ክብርታት ሰውራኡን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብኻልኦት መንእሰያት እውን ከምዝሰዓብ እምነቱ ገሊጹ።

Categories