ብኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተወደበ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ኣገዳስነትን ቱሪዝማዊ ሰሓብነትን ዘለዎ ሓድግታትን ባህላዊ ውርሻታትን ንምዝታይ፡ ብ27 ሕዳር ኣብ ከተማ ባጽዕ ዋዕላ ተቓኒዑ።

ኣብ’ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ፡ ሓድግታት ንምክንኻንን ንምዕቃብን ክውሰዱ ኣብ ዘለዎም ስጉምትታት ሰፊሕ ምይይጥ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣዝዩ ሃብታም ውርሻዊ ጸጋታት ከምዘሎ ዝገለጸ፡ ሓለፊ ጨንፈር ባህሊ ኣቶ ዮውሃንስ ገብረየሱስ፡ ንቕሓት ዘበርኽ ንጥፈታት ብምክያድ ብግቡእ ንምዕቃቡ ዝተጀመረ ዕዮ ብዝሓየለ ምቕጻል ከምዘድሊ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ገለ ቅርስታት ይዓንዉን ይጠፍኡን ከምዘለዉ፡ እቶም ቀንዲ ጠንቅታት ድማ፡ ትሕተ-ቅርጻውን ልምዓታውን መደባትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ከምዝኾኑ ክጥቀስ እንከሎ፡ ድፋዓትን ደጀንን ሰውራ ኤርትራ፡ ጥንታዊ ህንጻታት ባጽዕን ጥንታዊ መስጊድ ሰሓባን ገለ ካብቶም ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ኣገደስቲ ሓድግታት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ባህላዊ ውርሻን ታሪኻዊ ቅርስታትን ምስ መንነትና ዝተተሓዘ ብምዃኑ፡ ብዕምቈት ክዝተየሉን ንድሕነቱ ስጒምቲታት ክውሰድን እዋኑ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

Categories