ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጂያዊ ውጥን ጽላት ጥዕናን፡ ሃገራዊ ውጥን ትግባረ ውሕስነት ጥዕናን ዝመያየጥን፡ ክሳብ ጽባሕ 5 ታሕሳስ ዝቕጽልን ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ትማሊ 3 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ ራእይ ሃገራዊ ፖሊሲ ጥዕና ኤርትራ፡ ጥዕና ህዝቢ ዘውሕስ ደረጃኡ ዝሓለወ ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና ምስፋሕን ምርግጋጽን ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ነዚ ራእይ’ዚ ብግብሪ ንምትርጓም ዝተሓንጸጸ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጂያዊ ውጥን፡ ኣብ ሓያሎ መዳያት ውጽኢታዊ ምንባሩ፡ ኣብ ምንቊልቋል ሞት ኣባጽሕ፡ ናጽላታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዑን ንዝተመዝገበ ዓወታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ 1995 ካብ 49 ዓመት ዘይሓልፍ ዝነበረ ዕድመ ዜጋታት – ናብ ልዕሊ 64 ዓመት ክብ ምባሉ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣረዲኣ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን ድማ፡ ብዛዕባ ቀዳምነታት ህዝባዊ ጥዕና፡ ኩነታት ተመሓላለፍቲን ዘይተመሓላለፍቲን ሕማማት፡ ሕማም ዓሶ ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ስራሕ፡ ኣብ ጐዳእቲ ልምድታት ዝተመዝገቡ ዓወታትን ዘለዉ ብድሆታትን፡ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ዶክተር ዓንደብርሃን፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ 80 ናይ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ንልዕሊ 9 ሽሕ ህጻናትን ቈልዑን ናይ ልቢ መርመራታት ከምእተገብረ፡ ጎዳእቲ ልምድታት ብፍላይ ድማ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ንምግታእ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት – ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥን ሃበሮን፡ 70 ዓድታት ካብ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ናጻ ምዃነን ከምዝኣወጃ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ወኪላት ዩኒሴፍ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ማዕከን ህዝቢ ሕቡራት ሃገራትን፡ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ጥዕና ንዘመዝገበቶ ዓወታትን ትቕጽሎ ንዘላ ጻዕሪታትን ሞጒሶም።

Categories