ካብ 10 ክሳብ 30 ሕዳር ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ናይ ዝተኻየደ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ሸፈነ ልዕሊ 98 ሚእታዊት፡ ምዕዳል ቫይታሚን ‘ኤ’ ድማ፡ 100 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ኣፍዓበት ነርስ ኣስራት ኣሚነ፡ እቲ ብማካይን፡ መጽዓኛን ኣጋርን ዝተሰላሰለ ወፍሪ፡ ትጽቢቱ 95 ሚእታዊት ንምሽፋን እኳ እንተነበረ፡ ብገምጋም ልዕሊ 98 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ብምሕባር፡ ንተወፋይነት ሞያውያን ጥዕናን ምትሕብባር ህዝብን ሞጒሱ።

ኣብ’ቲ ስራሕ ልዕሊ 100 ሰብ-ሞያ ጥዕና ከምዝተሳተፉ ዝሓበረ ነርስ ኣስራት፡ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ምስ’ቲ ብወገን ምምሕዳራት ከባቢን መሻርኽትን ዝተራእየ ምትሕብባር፡ ኣብ ምዕዋት’ቲ ወፍሪ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ሓቢሩ።

Categories